Table of Contents

ዓውደ መጽናዕቲ 1.0 - Hardware Elite 8100-8300

ሎሚ ኸምዚ ዝስዕብ ክንገብር ኢና፦

  • ኮምፕዩተርካ ፍለጥ
  • ተዋጽኦታቱ ፍለጥ
  • ቀልጢፍካ ምፍትታሕ/ምግጥጣም

ኮምፕዩተር

ኣብቲ ምልክት ዝርከብ መሰረታዊ ሓበሬታ ርአ፦

  • ኣፍራዪት ትካል - ሂውለት ፓካርድ።
  • ሞዴል/ስርሒት፦ 8100 ኢሊት።
  • ፎርም ፋክተር (ዓቐኑ): ንእሽቶ ፎርም ፋክተር (ኤስኤፍኤፍ) - ማለት ንእሽቶ ሰፈር/ሳንዱቕ እዩ (ሓድሽ ኣቕሓ ንምዕዳግ ኣገዳሲ እዩ)።
  • •ዓይነት ኮምፕዩተር፦ : ኮምፕዩተር - ብሕታዊ ኮምፕዩተር.

ቀዳማይ ድሕንነት

ነቲ ሰፈር/ሳንዱቕ ቕድሚ ምኽፋትካ ነቲ ናይ ኤለክትሪክ ገመድ ንቐሎ/ኣውጸኣዮ።

  • ነቲ ናይ ኤለክትሪክ ገመድ ዘይኰነስ ነቲ መራኸቢ ዝሓዘ ገመድ ኣራኽቦ/ኣውጻኣዮ።
  • በሊሕ ካቻቪተ/በሊሕ ወሰን ዘለዎ ነገር ኣብ ክፋል እቲ ኮምፑዩተር ተጠንቀቕ።

ተስፋ እንተ ቘሪጽካ ዕረፍቲ ውሰድ። ወትሩ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ናውቲ

ትዕግስቲ፣ ኾፍ መበሊ ቦታ (ሰደቓ)ን ናውትን የድልየካ፦

  • ካቻቪተታት (ዘዋር መስኒታት)
  • መወልወሊ
  • ነፃጊን ወልዋሊን ዘለዎ መጽረዪ
  • ናይ ወረቐት ሽጎማኖ (ፔፐር ታወል)
  • ናይ ኮምፑዩተር ግራሶ (ቴርማል ፔስት)
  • ጉንጉ መጽረዪ (ቫክዩም ክሊነር)/ እኩብ ኣየር (ኮምፕረስድ ኣየር)

ደጋዊ ሰፈር/ሳንዱቕ

ወልውሎ እሞ ኣብ ወጻኢ እቲ ሰፈር/ሳንዱቕ እንታይ ከም ዘሎ ርአ።

ኣፍደገ (ፖርት)/ሶኬት/መጠወቕ

ስሩዕ መራኸቢ ነጥብታት ((ኣፍደገ/ፖርትስ ወይ ሶኬታት) ይፈላለ ኢዩ ስለዚ ንነገራት ብግቡእ ነራኽቦም፦

ሓይሊ

ኣብቲ ክፍሊ ኤለክትሪክ (PSU) ዝርከብ ሰለስተ ጡብ ዘለዎ ናይ ኤለክትሪክ ሶኬት።

ዩኤስቢ (USB)

ዩኒቨርሳል ሲሪያል ባስ (USB) ኣፍደገ/ፖርትስ ምስ ናይ ዩኤስቢ (USB) መሳርሕ የራኽብ።

ቪድዮ

ነቲ መተሓላለፊ ምስሊ (ሞኒተራት)/ቲቪ ምስ ናይ ቪዲዮ ግራፊክ ኣረይ (ቪጂኤ/ VGA) ኣፍደገ/ፖርት የራኽብ፦

ወይ ናይ መራኣዪ ኣፍደገ/ፖርትስ፦

ኢተርኔት

ናይ ኢተርነት ኣፍደገ/ፖርት መርበብ ሓበሬታ/ኢንተርነት ንምርካብ ናይ መርበብ ገመድ ይጥቀም።

ድምፂ

ናይ ድምፂ ሶኬታት ምስ ናይ ድምፂ መራኸቢ (ፕላግ/ጃክስ) ይራኸብ፦

  • ሰማያዊ = ድምፂ ናብ ውሽጢ የእቱ (ማይክሮፎን፣ ወዘተ)
  • ቀይሕ = ድምፂ ናብ ደገ የውጽእ (መስምዒ ድምፂ (ሄድፎን)፣ እስፒከር፣ ወዘተ)

ተወሳኺ (ለጋሲ) ኣፍደገታት/ፖርትታት

PS/2 ኣፍደገታት/ፖርትታት ምስ ናይ ቀደም ኪቦርድ/ማይስ የራኽባ፦

ሲርያል ኣፍደገታት/ፖርትታት ምስ ናይ ቀደም ኢንዱስትሪ መሳርሒታት የራኽባ፦

ኣብ ውሽጢ እቲ ሰፈር/ሳንዱቕ

እቲ ኮምፕዩተር ገጹ ናባኻ ከም ዝጥምት ጌርካ ኣንብሮ። ነቲ ሰፈር/ሳንዱቕ በቲ ናይ ድሕሪት መላግቦታት ጌርካ ክፈቶ።

ነቲ መኽደኒ ኸም ሸሓነ ጌርካ እተወሰነ ኽፋላት ብሓደ ንምኽዛን ተጠቐመሉ።

እኩብ ናይ ውሽጢ ሓይሊ ምርጋፍ (ዲስቻርጅ ስታቲክ)

ንሓደ ዓብዪ ብረት ዘለዎ ነገር ቅድሚ ምትንካፍካ ኣብ ሰብነትካ ዘሎ እኩብ ናይ ውሽጢ ሓይሊ ኣራግፍ፣ እዚ ናይ እኩብ ሓይሊ 'ስምባድ' ነቲ ናይ ኮምፕዩተር ክፍሊታት ክጐድእ ይኽእል ኢዩ።

ጽሬት

ኣብ ዙርያ እቲ መተንፈሲ/መንበድበዲ ኣየር ዘሎ ደሮና ካብ ደገ በቲ ቫክዩም/ዝተኣከበ ኣየር ኣቢልካ አጽርዮ። ተጠንቀቕ - ነቲ ክፍሊታት ኮምፕዩተር ኣይትውቃዕ።

ድሕሪኡ ውሽጡ ኣጽርዮ፦

ነቲ ውሽጣዊ ኽፋል እቲ ሰፈር/ሳንዱቕ ብጨርቂ ወልውሎ።

ናይ ኮምፕዩተር ክፍሊታት

ውሽጣዊ ናይ ኮምፕዩተር ክፍሊታት እስከ ነለሊ፦

ኣሃዱ ምንጪ ሓይሊ ኤለክትሪክ

ኣሃዱ ምንጪ ሓይሊ ኤለክትሪክ (Power Supply Unit (ፒኤስዩ))፦ ኤለክትሪክ ካብ ቀንዲ ቮልተጅ (240 ቮልት) ናብ ዝነኣሰ ቮልተጅ ንኮምፕዩተርካ ይቕይሮ።

ሓንሳእ እውን ምስጠፍአ እንተ ዀነ ሓደገኛ ቮልተጅ ክሕዝ ይኽእል እዩ። ፈጺምካ ኣይትፈታትሕ!

ማዘርቦርድ

ማዘርቦርድ፦ ናይ ኮምፕዩተር ክፍሊታት ብሓባር ንኽረዳድኡ የኽእሎም።

ሃርድ ድራይቭ

ሃርድ ድራይቭ (ሃርድ ዲስክ)ንሓዋሩ መረዳእታ (ንኣብነት መዛግብካ (ፋይላትካ)) ይኽዝን።

ዲቪዲ ድራይቭ

ዲቪዲ ድራይቭ፦ ዲጂታል ቨርሳቲል ዲስክስ (ዲቪዲ) የንብብ/ይጽሕፍ።

ናይ ፒሲኣይ ናይ ምስፍሕፋሕ ቦታታት

ተወሳኺ ኣሰራርሓ ንምውሳኽ ናይ ምስፍሕፋሕ ካርድታት ግጠም - ንኣብነት ናይ ቪድዮ ካርድታት

ሃንደበታዊ ናይ ምዝካር ክእለት (ራም (RAM))

ራም (RAM)፦ መደባት ንምስራሕ ዜገልግል ሓበሬታ ይኽዝን። ኮምፕዩተርካ ምስ ጠፍአት እቲ ኣብ ራም ዝርከብ መራዳእታ ይጠፍእ።

ማእከላይ ክፍሊ መስርሕ (ሲፒዩ (CPU))/ሂትሲንክ

ሲፒዩ፦ 'ሓንጎል' ኮምፕዩተርካ። እቲ ሂትሲንክ ነቲ ናይ ኮምፕዩተር ሙቐት ይቈጻጸሮ።

ናይ ሲፒዩ መናፈሲ/መንበድበዲ

ናይ ሲፒዩ መናፈሲ/መንበድበዲ፦ በቲ ልዕሊ ሲፒዩ/ሂትሲንክ ኣየር የመሓላልፍ።

ባትሪ

ኮረንቲ/ገመድ

ናይ ኤለክትሪክ ኮረንቲ፦ ካብ ፒኤስዩ ናብ እቶም ክፍሊታት ኮምፕዩተር ሓይሊ ይስከም።

ናይ ሳታ (SATA) መረዳእታ ኮረንቲ/ገመድ፦ ኣብ መንጎ ክፍሊታት እቲ ኮምፕዩተር ሓበሬታ ይሕዝ።

ምፍትታሕ

ቅድሚ ምፍትታሕና፣ መዘኻኸሪ መእንታን ክኸውን ነቲ ናይ ኮምፕዩተር ክፍሊታት ስእሊ ስኣሎ።

ቀጠልያ መጠወቕ/መትሓዚ ንመብዛሕትኡ ክፍሊታት እቲ ኮምፑተር ብዘይ ገለ ናውቲ ንኸተልግሶ ይሕግዘካ።

ዲቪዲ ድራይቭ

ቦታ ንምርካብ ነቲ ፒኤስዩ ግልብጥ ኣብሎ። እቲ ናይ ዲቪዲ ድራይቭ ብቐሊሉ መንታን ኽትረኽቦ ኣብ ዝንቀሳቐስ ክፋል እዩ ዝርከብ።

ነቲ ብየማናይ ሸነኽ ዘሎ ቀጠልያ መጠወቕ/መትሓዚ ስሓቦ - እቲ ክፋል ናብ ላዕሊ ክወጽእ እዩ።

ነቲ ኤለክትሪክ/ናይ መረዳእታ ገመድ ካብቲ ድራይቭ ንቐሎ።

ነቲ ናይ ኮረንቲ/ገመድ መምርሒ ኣልግሶ እሞ ነቲ ገመድ ናጻ ኣውጽኣዮ።

ነቲ ናይ ሳታ (SATA) ገመድ ካብ ማዘርቦርድ ንቐሎ።

ነቲ ናይ ዲቪዲ ድራይቭ ክፋል ንድሕሪት ድፍኣዮ፣ ድሕሪኡ ነቲ ብጸጋማይ ሸነኽ ዘሎ ቀጠልያ መጠወቕ/ባተን ሓዞ።

ነቲ ድሪቨ ንቕድሚት ስሓቦ እሞ ካብቲ ክፋል ንምውጻእ ትኽ አቢልካ ንላዕሊ ሓፍ ኣብሎ።

እቲ ናይ ድራይቭ ምልክት ነቲ ድራይቭ ንምትካእ/ንምምሕያሽ ዝሕግዝ ሓበሬታ ሒዙ ኣሎ።

ሃርድ ድራይቭ

ናይ ኤለክትሪክን ናይ ሳታ (SATA) ገመድን ካብ ሃርድ ድራይቭ ንቐሎ።

ነቲ በቲ ናይ ድራይቨ ክፋል ብየማናይ ሸነኽ ዘሎ ቀጠልያ መጠወቕ ድፍኣዮ። ነቲ ሃርድ ድራይቭ ንቕድሚት ስሓቦ።

ትኽ ኣቢልካ ናብ ላዕሊ ኣልዕሎ።

ካብቲ መምርሒ ገመድ ነቲ ኮረንቲታት ናጻ ግበሮ።

ነቲ ናይ ሳታ (SATA) ገመድ ካብ ማዘርቦርድ ንቐሎ።

እቲ ናይ ድራይቭ ምልክት ነቲ ድራይቭ ንምትካእ/ንምምሕያሽ ዝሕግዝ ሓበሬታ ሒዙ ኣሎ።

ፒኤስዩ (PSU)

ነቲ ኣብ ማዘርቦርድ ዘሎ ናይ ኤለክትሪክ ገመድ ንቐሎ።

  • እቲ መራኸቢታት ዝጽቀጥ/ዝጭፍለቕ መጠወቕ ኣለዎ - ነዚ ፅቕጥ ኣብሎ እሞ ንኽወጽእ ከኣ ቀስ ኣቢልካ ኣንቀሳቕስ።

እቲ ናይ ቅድሚት ገመድ ናብ ሲፒዩ ሓይሊ ኤለክትሪክ የቕርብ፦

ካልእ ኸዓ ናብ መብዛሕትኡ ክፍሊታት ኮምፕዩተር ሓይሊ ይህብ፦

እቲ ጸሊም መራኸቢታት ዘለዎ ነቲ ድራይቭታት ምስ ማዘርቦርድ የራኽቦ።

ነቲ ገመድ ኣጽርዮ፣ ድሕሪኡ ነቲ ፒኤስዩ ኣዝብል ኣቢልካ ናብ ላዕሊ ትኽ ኣቢልካ አውጸኣዮ።

እቲ ምልክት/ለበል ከምዚ ይብል፦

  • ኣታዊ ቮልተጅ
  • ወጻኢ ቮልተጅ
  • ዝለዓለ ሓይሊ (ብዋትስ)

ራም (RAM)

እዚ ራም በቲ ኣብ ማዘርቦርድ ዘሎ ሰኴታት ዝርከብ መጠወቕ (ወይ መቓቐር/ ክሊፕታት) እዩ ተተሓሒዙ።

ብኽልቲኡ ሸነኽ እቲ ቐዳማይ ናይ ራም ሰሌዳ አጥብቕ ኣቢልካ ጽቐጦ።

ኣውጽኣዮ።

ኣብቲ ራም ዘሎ ወርቂ ዝሕብሩ ክፋላት ኣይትተንክዮ፣ ዋህዮታት ቈርበት/ረሃጽ ምብስባስ ክምጸ ስለዝኽእል

ነቲ ናይ ምዝካር አቁሕኡ (ሚሞሪ ቺፕስ) ኣይትተንክዮ። ስታቲክ ናይ ኤለክትሪክ ፈሰስ (Static electrical discharge) ብቐሊሉ ክጐድኦ ወይ ከጥፍኦ ይኽእል ኢዩ።

ነቲ ራም ተጠንቂቕካ ኣቕምጦ፣ ነታ ኻልአይቲ ከምኣ ድገማ።

እቲ ምልክት ነቲ ራም ንምትካእ/ንምምሕያሽ ዝሕግዝ ሓበሬታ ሒዙ ኣሎ። እቲ ራም ሞዴል ስም (ኣብቲ ሰሌዳ ዝተጻሕፈ) ኣለዎ፣ እቲ ራም ንምትካእ/ንምምሕያሽ (ራም ብኸመይ ከም ዝሽየጥ) ምስቲልሙድ ስሙ ከተሰማምዖ ኣሎካ።

ተራ ዓይነት ራም፦

ልሙድ ስም
DDR3-800D PC3-6400 DDR3-1600G* PC3-12800
DDR3-800E DDR3-1600H
DDR3-1066E PC3-8500 DDR3-1600J
DDR3-1066F DDR3-1600K
DDR3-1066G DDR3-1866J* PC3-14900
DDR3-1333F* PC3-10600 DDR3-1866K
DDR3-1333G DDR3-1866L
DDR3-1333H DDR3-1866M*
DDR3-1333J* DDR3-2133K* PC3-17000
DDR3-2133L
DDR3-2133M
DDR3-2133N*

ናይ ቅድሚት ገጽ

ነቲ ናይ ቅድሚት ሰሌዳ ብናይ ኤለክትሪክ መጠወቕ (ስዊች) ኣቢልካ ኣልግሶ።

ነቲ ሰለስተ ላዕለዋይ ሰሌዳታት ኣልዕሎ፦

ኣልግሶ እውን።

ናይ ቅድሚት መንበድበዲ/ፋን

ፈለማ ነቲ ጸሊም ናይ ፕላስቲክ መምርሒ ኣየር ኣወግዶ።

ኣብቲ መንበድበዲ/ፋን ዘሎ ኣርባዕተ ሰሌዳ ምስቲ ሻሲ ኣራኽቦ። እተን ክልተ ላዕለዎት ሰሌዳታት ጽሙቕ ኣብለን፦

ድሕሪኡ ነቲ ኽልተ መጠወቕ ሰሌዳ ድፍኣዮ። ጸገም እንተ ኣልዩካ፣ መራሕ ካቻቪተ ተጠቐም።

ነቲ ናይ መንበድበዲ/ፋን ገመድ ካብቲ ልዕሊ እቲ ማዘርቦርድ ንቐሎ። ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ኣጽርዮ።

ማዘርቦርድ/ሂትሲንክ

ነቲ ዝተረፈ ምስ ናይ ቅድሚት ሰሌዳ ዘራኽብ ገመድ ንቐሎ። እዚኦም ምስቲ ኣብ ማዘርቦርድ (ታሕቲ ጸጋማይ ጫፍ) ዘሎ ቀንዲ መራኸቢታት ይራኸቡ። ቀዳማይ ናይ ኤለክትሪክ መራኸቢ፦

ድሕሪኡ ኣብ ቅድሚት ናይ ዩኤስቢ (USB) መራኸቢ፦

ናይ ቅድሚት ናይ ድምፂ መራኸቢ፦

ናይ ስፒከር መራኸቢ፦

ከምኡውን ናይ ጣልቃ (ኢንትሩዥን) ስዊች።

ነቲ ማዘርቦርድ ዝሓዘ ሸሞንተ ብሎናት ፍትሓዮ። ንግዚኡ እተን ኣርባዕተ ብሎናት ኣብ ዙርያ እቲ ሲፒዩ ግደፎ።

ነቲ ማዘርቦርድ ዝሓዘ ሸሞንተ ብሎናት ፍትሓዮ። ንግዚኡ እተን ኣርባዕተ ብሎናት ኣብ ዙርያ እቲ ሲፒዩ ግደፎ። እዚ ናይ ኮምፕዩተር ግራሶ (ተርማል ፔስት) ኣብ መንጎ እቲ ናይ ኮምፕዩተር ክፍሊታት ዘሎ ናይ ሙቐት ምምሕልላፍ የመሓይሾ።

እቲ ሂትሲንክ ብኣርባዕተ ብሎናት ብጸቕጢ እዩ ተታሒዙ ዘሎ። ፍትሓዮም፦

ነቲ ሂትሲንክ ትኽ ኣቢልካ ኣልዕሎ፦

እቲ ግራሶ ዝመስል ነገር ናብ ኩሉ ምእንቲ ከይዛመት ተጠንቂቕካ ድፈ ኣቢልካ ኣቐምጦ።

ማዘርቦርድታት ብእተወሰነ ዅርናዕ ጥራይ እዩ ዝውገድ። ተጠንቂቕካ ቀጽል።

ነቲ ማዘርቦርድ ኻብ ቅድሚት ኣልዕሎ ድሕሪኡ ነቲ ናይ ድሕሪት ሶኬታት ናጻ ንምግባር ቀስ ኢልካ ንቕድሚት ሸታሕታሕ ኣብሎ።

ካብቲ ሰፈር/ሳንዱቕ ናጻ ንምውጻእ ኣልዒልካ ጥወዮ። ኣብ ንጹር ቦታ በጥ ኣቢልካ አቕምጦ።

ነዚ ዝስዕብ ምልክት ርኸብ፦

  • ናይ ፒሲዩ (PSU) መራኸቢታት
  • ናይ ቅድሚት ሰሌዳ መራኸቢታት
  • ዩኤስቢ (USB) ከምኡውን ሳታ (SATA) መራኸቢታት

:engagement:siganto_digital_learning_workshops:workshops:siganto_digital_learning_workshops:072_cpu_gate_open_1920.jpg

ሲፒዩ

ሲፒዩ ከምኡውን ሲፒዩ ሶኬት ኣዝዩ ልስሉስ እዩ። ኣዚኻ ተጠንቀቕ።

ኣብ ሶኬት ምስ እቲ ማዘርቦርድ ተጣቢቑ ኣሎ። ጽቕጥ ኣቢልካ ነቲ መጐልበቢ ናብ ጐድኑ ድፍኣዮ። ኪወጽእ እዩ።

ነቲ ኣፍ ደገ ኣልዕሎ፦

ነቲ ሲፒዩ ብኽልተ ኣጻብዕካ ተጠንቂቕካ ኣውጸኣዮ፣ እዚ ኸኣ ኣብቲ ሶኬት ዘሎ ንእሽቶ ቝርጽራጽ ዘለዎ ጫፍ እዩ።

ኣብ ታሕተዋይ ክፋል እቲ ሲፒዩ ረአ - ነቲ ወርቂ ዝሕብሩ ኽፋላት ኣይትተንክዮ።

ኣብ እግሪ እቲ ሲፒዩ ብኣማእታት ዚቝጸር ነፍሲ ወከፉ ሽካታት ምስቲ ናይ ወርቂ ክቢ የራኽብ።

ነቲ ሲፒዩ ገልቢጥካ ኣብቲ ሂትሲንክ ኣቐምጦ።

::hp8100:078_all_components_1920.jpg

እንደገና ግጠሞ

ነቲ ቅደም ሰዓብ ብግልባጦ ንሳዓብ - ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ነቲ ዝሰኣልካዩ ስእሊ ሰዓብ።

::hp8100:079_cpu_wipe_1920.jpg

ነቲ ሲፒዩ/ሂትሲንክ አጽርዮ

ሓንሳእ ንኣየር ምስ ተቓልዐ፣ እቲ ናይ ሂትሲንክ ግራሶ ይነቅጽ። ነቲ ኣረጊት ናይ ሂትሲንክ ግራሶ ኣወግዶ እሞ ሓድሽ ነገር ተጠቐም።

ነቲ ሲፒዩ ኻብቲ ሂትሲንክ ኣልዒልካ ገልብጦ። ነቲ ጽሑፍ ብንጹር ክሳዕ እተንብቦ ብጨርቂኻ ወልውሎ/ኣጽርዮ።

ነዚ ዝስዕብ ከተንብቦ ትኽእልዶ?

  • ፍጥነት ሲፒዩ
  • ቍጽሪ ሞዴል
  • ኣበይ እዩ ተሰሪሑ?

ነቲ ሲፒዩ ቀስ ኢልካ ኣብ እቲ ሶኬት (መሰኵዒ) ኩሎም እቶም ግጣማት ብሪጋ ጌርካ ኣቐምጦ - እዚ ኸኣ ብሓደ መገዲ ጥራይ እዩ ዝገጥም!

ነቲ ሂትሲንክ ብጨርቂኻ ኣጽርዮ - በቲ ጫፍ ወልውሎ።

::hp8100:082_cpu_thermal_paste_apply_1920.jpg

እቲ ናይ ኮምፕዩተር ግራሶ (ተርማል ፔስት) ግበር /ነቲ ሲፒዩ እንደገና ኣቕምጦ

ነቲ ሲፒዩ ኻብቲ ሶኬት (መሰኵዒ) ኣውጽኣዮ። ግዝፊ ክንድ ፍረ ሩዝ ዝኸውን ናይ ኮምፕዩተር ግራሶ (ተርማል ፔስት) ጠብታ ኣብ ልዕሊኡ ግበረሉ።

እቲ ሲፒዩ መብዛሕትኡ ኽሳዕ ዝሽፈን (ኣገዳሲ ኣይኰነን) ነቲ ግራሶ ናብቲ ሂትሲንክ ገልቢጥካ አስተኻኽሎ

እቲ ሲፒዩ ናብ ሶኬት (መሰኵዒ) መሊስካ ኣእትዩ እሞ እቲ ማዕጾ ዕጸዎ።

ማዘርቦርድ

ነታ ማዘርቦርድ ቀስ ኣቢልካ ኣእትዋ። አዝብል ኣቢልካ እቲ ሶኬት (መሰኵዒ) ልክዕ ምስተሰርዐ፣ ቀስ ኢልካ ናብ ቦታኡ ኣእትዎ።

ነቲ ሽዱሽተ ብሎን ተኪእካ ኣጽኒዕካ ሓዞ (ናይ ሂትሲንክ ናይ ብሎን ነዃላት ኣይትጠቐም)።

ሂትሲንክ

ኣልዕሎ እሞ ቀስ እናበልካ ናብቲ ማዘርቦርድ ኣእትዎ። ብሎናት (መላግቦታት) ተክኣሉ እሞ ኣጽኒዕካ ግጠሞ።

ናይ ቅድሚት ሰሌዳ መራኸቢታት

ምስቲ ሕብርታት ብምስምማዕ ነቲ ናይ ቅድሚት ሰሌዳ መራኸቢታት በብሓደ ተክኣዮ።

መንበድበዲ/ፋን

ነቲ ናይ ማዘርቦርድ መራኸቢ ዘለዎ ገመድ እንደገና ኣራኽቦ፦

ነቲ መንበድበድ/ፋን ናብ ቦታኡ ጠውቕ፦

መምርሒ ኣየር ተክእ፦

ናይ ቅድሚት ሰሌዳ

ራም ግጠም

በብሓደ ነቲ ክፋል ተክኣዮ።

እቲ ቝርጽራጽ ምስቲ ኣብ ሶኬት ዘሎ ክፋላት ዝሰማማዕ እዩ።

ኣጽኒዕካ ድፋእ። ኣብቲ ሶኬት ዘሎ መጠወቕ ነቲ ክፋል ይሕዞ። ምስቲ ኻልኣይ ክፋል ራም ድገሞ።

ፒኤስዩ (PSU)

ነቲ ፒኤስዩ (PSU) ተጠንቂቕካ ተክኣዮ።

ናይ ፒኤስዩ መላግቦታት ምስቲ ኣብቲ ሰፈር/ሳንዱቕ ዘሎ ነጥቢ ይሰማማዕ እዩ። ናይቲ ነጥቢ ዅርናዕ ስዒብካ ናብ ታሕተዋይን ንቕድሚትን ነቲ ፒኤስዩ ድፍኣዮ።

ነቲ ናይ ፒኤስዩ ገመድ ምስ እቲ ማዘርቦርድ እንደገና ኣራኽቦ (ብሓደ መገዲ ጥራይ እዩ ዝገጥም)።

ሃርድ ድራይቭ

ነቲ ኤለክትሪክ/ሳታ (SATA) ገመድ ምስ ሃርድ ድራይቭ ኣራኽቦ። አብቲ ድራይቭ ዘሎ ኤል ዝመስል መራኸቢ ተጠቐመሉ።

ነቲ ፒኤስዩ ሓፍ ኣብሎ፣ ነቲ ሃርድ ድራይቭ ናብ ክፋሉ ድፍእ ኣብል እሞ ድሕሪኡ ንምግጣም ነቲ መሸጐር ንቕድሚት ደፍኣዮ።

ነቲ ናይ ሳታ ገመድ ናብ ማዘርቦርድ ግጠሞ/ኣእትዋ።

ዲቪዲ ድራይቭ

ዲቪዲ ድራይቭ ናብ እቲ ክፋል ድፍእ ኣብሎ።

ክሳዕ እትጥውቕ ንቕድሚት ድፋእ።

ናይ ኤለክትሪክን ሳታን ገመድ ምስ ዲቪዲ ድራይቭ ኣራኽቦ።

እቲ ገመድ በቲ ናይ ገመድ መትሓዚ ኣቢሉ ከምዝሓለፈ ኣረጋግጽ።

ነቲ ናይ ሳታ ገመድ ናብ ማዘርቦርድ ግጠሞ/ኣእትዋ።

ነቲ ሊቨር ድራይቭ ናብ ቦትኡ ምለሶ።

ነቲ ሰፈር/ሳንዱቕ ዕጸዎ

እቲ ገመዳት በቲ መትሓዚ (ክሊፓት) ኣቢሉ ብጽፈት ኸም ዝሓልፍ ኣረጋግጽ።

እቲ ናስይ ዲቪዲ ድራይቭ ቦታ ኸምኡውን ፒኤስዩ ትኽክል ምግጣሙ አረጋግጽ።

ነቲ ሰፈር/ሳንዱቕ ዕጸዎ። ምሉእ ብምሉእ!

እንቋዕ ኣሐጐሰካ!

እናደገምካ ተለማመድ።


Workshop 02 - Operating System Install

engagement/siganto_digital_learning_workshops/workshops/siganto_digital_learning_workshops/workshop_01_ti.txt · Last modified: 2022/06/17 09:54 by Andrei Maberley
CC Attribution-Share Alike 4.0 International Except where otherwise noted, content on this wiki is licensed under the following license: CC Attribution-Share Alike 4.0 International

We acknowledge Aboriginal and Torres Strait Islander peoples and their continuing connection to land and as custodians of stories for millennia. We are inspired by this tradition in our work to share and preserve Queensland's memory for future generations.